ኣብቲ ቀዳማይ ሰሙናት ኣብ ጀርመን እንታይ ክገብር ኣለኒ ።

ንስኻትኩም ብ ዩኤን ፕሮግራም ወይከኣ ብሰባኣዊ ርሕራሄ ናብ ጀርመን ዝመጻእኩም ዲኹም?
ከምኡውን ብዙህ ሕቶታትን ሻቅሎትን ዘለኩም ዲኹም?
ኣበይ ኢየ ክቅመጥ?
ኣየኖት ቆጸራታትየ ኣብተን ቀዳምት ሰሙናት ክፈልጠን ዘለኒ?
ኣየኖት ወይ እንታይ ወረቃቅቲየ ከመልክት ወይ ክሰድድ ዘለኒ?
መንከ ክሕግዘኒ ይኽእል?

ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት ኣብታ ኣትቅመጡላ ከተማ ምስ ኣተኹም ናይ ግድን ኣብ ዝተፈላለይ ቤትጽሕፈታት ክትምዝገቡ ኣለኩም። ከምኡውን ዝተፈላለየ ወረቃቅትን ናይ ገንዘብ ሓገዝን ንኽውሃበኩምውን ከተመልቱ ኣለኩም።

© UNHCR/Alessandro Penso


ንሕና ገበርቲሰናይ ትካላት ከም ካሪታስ፣ ቀይሕ መስቀልን ድልየትናዩ ንዓኻትኩም ኣብቲ ሓድሽ ናይ ጀርመን ጉዕዞኹም በዚ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክንሕግዘኩም። ኣብዚ ኣድራሻ ኢዚ ብዙሕ ሓበሬታ፣ቪዲዮ፣ከምኡውን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ኣብ ናብራ ጉዕዞኩም ዝሕግዙኩም ኣርእስትታትን ክትረክቡ ኢኩም።



© UNHCR/Gordon Welters

ኣብቲ ሓድሽ ኣትቅመጥሉ ከተማ ወይ ኣብቲ ኽባቢኡ ናይ ስደተጃታት ተሓጋገዝቲ ቤትጽሕፈታት (ኤምቢኤ) ኣሎ። ኣዚ ቤትጽህፈት ኣዚ ንዓኻትኩም ብዘይ ሰልድን ብስቱር ዝኮነ ኣገባብን ሓበሬታ ከበርክተልኩምዩ። ኣብ ቤትጽሕፈት ብምኻድን ከምኡውን ኣብ ኢንተርነት
በዚ ኣድራሻ https://www.mbeon.de/ar/home/ / https://www.mbeon.de/en/home/ ብመልእኽቲ ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ቐዳሞት ስጉምትታተይ


መሰለይ ኣብ ጀርመን



ንቀጻሊ ሓበሬታ በዚ ኣብላኣሊ ዘሎ ኣርኣስቲ ተጻዕንዎ

ንስኻትኩም ከቢድን፣ነዊሕን፣ክንደይ ሽግርን ሰጊርኩም ከምዝመጻእኩም ንፈልጥ ኢና።
ኮይኑግን ሕጂውን ንመጻኢ ብዙሕ ትበጽሕዎ ነገራት ከምዘለኩም ኣይትዘግዑ። ክትፈርሑ የብልኩምን።

1ጉዕዞ ካብ ፍሪድላንድ

ከባቢ ድሕሪ14 መዓልቲ ብኣውተቡስ ጌርኩም ካብ ፍሪድላንድ ንስካትኩምን ከማኻትኩም በዚ መደብ ዝመጹን ብሓባር ናብቲ ዝተመደበልኩም ዞባን ከተማ ክትከዱ ኢኹም።
ቅድሚ ጉዕዞኹም እቲ መጀመርያ ዝሃብኩሞ ወረቃቅትኩምን ፓስፖርትኹምን ኣብ ፖስታ ተጠርኒፉ ነቲ ዘዋራይ ኣውቶቡስ ይወሃብ። እዚ ወረቃቅቲዚ ናብቲ ዝተመደበልኩም ከተማ ምስ ኣተኹም ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ኣብቲ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ዘሎ ኣርእይዎ። እዚ ወረቃቅቲ ካልኣይ ግዜ ንክትረክቦን ንከተውጻኦን ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ በጃኻትኩም በጃኻትኩም ብጥንቃቀ ሓዝዎ።

ኣብቲ ፖስታ እዘን ዝስዕባ ሰነዳት ኣለዋ

  • ናይ መቀመቲ ፍቃድ ወረቀት ብዓንቀጽ §23 II ወይከኣ § 23 IV ዝተዋህበኩምን ብዙሕገጽ ዝሓዘለን ኣብ የማናይ ሸነኽ ስእልኹም ዘለዋ ናይመንግስታዊ ገላጺ ወረቀትዩ።
  • ፓስፖርትን ኣምሰያ ፓስፖርት ኾይኑ ዘገልግል ሰነድ ምስ ቪዛኡ እዚ ቪዛ መብዛሕታኡ ግዜ ን 3 ወርሂዩ ዘገልግል
  • ናብቲ ዝተመደብኩሞ ዞባን ናኡስ ምምሕዳርን ንምሳሌ ኒደርሳክሰን፣ኖድሃይን-ወስትፋለን
  • ንስደተጃታት ዝወሃብ መደብ ቋንቋ ጀርመን ንክትካፈሉ ዘፍቅድ ወረቀት
  • ኣቀዲሙ ዝተዳለወን ዝተመልአን ንስራሓልቦ ዝወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ወረቀት መዓስ ናብዚ ሃገር ከምዝኣተኹም መዓልቱን እቲ ናይ ሕክምና ወረቃቅትኹምን ።
  • ቅድሚ ናብዚ ሃገር ምምጳእኩም ካብ ኣይኦኤም ዝተዋህበኩም ናይ ሕክምና ሰነዳት ። ኣብቲ ዝተመደበልኩም ከተማ ሓኪም ምስ ሓዝኩም ሂዝኩሞ ኪዱ።


© UNHCR/Gordon Welters

2 ኣብቲ ዝተመደብኩሞ ከተማ ምስ በጳሕኩም

ኣብቲ ዝተመደበልኩም ከተማ ምስ ኣተኹም ብቀጥታ ናብቲ ናይ ምምሕዳር ቤትጽሕፈት ( ራትሃውስ) ወይከኣ ናብቲ እትቅመጥሉ ገዛቲ ይወስድኹም። ኩሉ ወረቃቅትኹም ኣብዚ ዓዲ ዝተዋህበኩም ኮነ ምሳኹም ዘምጻኹሞ ሰነዳት ወረቃቅትን ኣቲ ዘዋራይ ኣውቶቡስ የረክበኩም።
ኢቲ መንበሪ ገዛ ዝውሃበኩም ምናልባሽ ናይበይንኹም ወይከኣ ናይ ሓባር ገዛውትን ክበጽሓኩም
ይክእልዩ ። እዚግን እቲ ምምሕዳር ከተማኹም ኢዩ ዝውስኖ። ነቲ ዛሃበኩም ገዛ ናይግድን ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ክትፍሩሙሉ ኢኹም። እዚ ውዕል ናይገዛ ክራይ ኣብ ብዙሕን ተፈላለያ ቤትጽሕፈት ከድልየኩም ስለዝኾነ ኣገዳሲ ሰነድዩ ከምኡውን እቲ እትቅመጡሉ ኣድራሻ በጃኻትኩም ብደምቢ ኣጽንዑዎ ምኽንያቱ ኣብቲ ዝምላዕ ወረቃቅቲ ስለዘድልየኩም ።

ብዛዕባ ገዛ ምቅያር ኣብ መበል 15 ነጥቢ ተመልከቱ

ንስኻትኩምውን ገዛ ደሊኹም ክትቅይሩ መሰልኩምዩ እንተኾነ ግን ብመጀመርያ ምስቲ ናይ ሰራሕተኛታት ቤት ጵሕፈት ( Jobcenter) ግፍሒ ናይቲ ገዛን ክራዩን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፍቀደልኩም ሕተቱ። ምኽንያቱ ኩሎም ምምሕዳራት ነናቶም ሕጊ ስለዘለዎምን ከምኡውን እቲ ክራይ ገዛ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ስለ ዝፈላለን። ገዛ ክትቅይሩ እንተደሊኹም ምስቲ ተመዲብልኩም ዘሎ ሰራሕተኛ ኣብ ሰራሕተኛታት ቤት ጵሕፈት ( Jobcenter) ወይከኣ ኣብቲ ማህበራዊ ቤት ጵሕፈት (Sozialamt) ክትዛራረቡ ኣለኩም። ቅድሚ ኣቲ ውዕል ናይ ገዛ ምፍራምኩም ኣቲ ጆብሰንተር ወይከኣ ኣቲ ሶዚኣላምት ክሰማምዓሉ ኣለዎ።
ካብታ መጀመርያ መዓልቲ ጀሚሩ ሓደ ሓደ ምምሕዳራት ናቶም ውሳነ ኾይኑ ተርጏማይን ዝተሓጋገዘኩምን ሰብ ይቅርቡልኩም። ሓደ ሓደ ምሕዳራት ግን ተርጏማይን ተሓጋጋዝን ኣይቅርቡንዮም ስለዚ ንስኻትኩም ባኦልኻትኩም ነገራትኩም ኣብ ናይ መንግስትን ካልኦት ቤት ጽሕፈታትን ከድኩም ከተሳልጥዎ ክትዳለው ኣለኩም።

3 ናይ ተቀማጦ መመዝገቢ ናይ ህዝቢ ቤት ጵሕፈት ኣብ ማዛጋጃቤት

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓድሽ ተቀማጣይ ናይታ ከተማ ምስ ዝከውንን ኣብታ ከተማ ውሽጢውን ካብ ገዛ ናብ ገዛ ምስዝቅይርን ኣብ ውሽጢ 15 መዕልቲ ናይግድን ኣብቲ ናይ ተቀማጦ ቤትጵሕፈት ከይዱ ክነግርን ክምዝገብን ኣለዎ። ምስ ተመዝገብኩም ነቲ ዝውሃበኩም ናይ ምዝገባ ወረቀት ኣብ ብዙሕ ቤትጽሕፈታትን ትካላትን ከተቅርብዎን ከተርእይዎን ስለ ዝኾንኩም በጃካትኩም ብጥንቃቀ ሓዝዎ።

ናብዚ ቤትጽሕፈት ክትከይድ ከለካ ኣዘን ወረቃቅቲ ኣዚኤን የድልያኻ

  • መፍለጢ መንነትካ ፓስፖርት ( ቆልዑት ትሕቲ 16 ዓመት ናይ ትውልዲ ምስክርወረቀት)
  • ካብ ዋና ገዛ ኣብ ገዛኡ ተቀማጣይ ምኻንካ ዘረጋጽ ወረቀት
  • ነቲ መመዝገቢ ዝኸውን ዝምላኣ ሰነድ
  • ዝተተርጎመ ናይ መርዓ፣ ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቀት


© UNHCR/Gordon Welters

4ናይ ወጻኣተኛታት ቤትጽሕፈት

ኣዚ ቤትጽሕፈት ኣዚ ንኹሉ ወጻዕተኛ ዝተፈላለየ ናይ መንበሪ / መቀመጢ ፍቃድ ወረቀት
ዘፍቅድን ዝህብንዩ። ኣብ ጅርመን ምስ መጻእኩም ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀት ክትሓቱ ኣለኩም። ወረቀትኩም ተሰሪሑ ምስ ተፈጸመ ናይ 3 ዓመት ዝተወሰነ መንበሪ ፍቃድ ይወሃበኹም።
ኣዚ ከኣ ብጀርመን ኣውስቫይስ ከምኡውን ኣውፈንትሃልትሰኤርላውብነስ ይብሃል።

ነፍሲወከፍ ሰብ በዚ ናይ ዳግመምስፋር ፕሮግራም ( Resettlementprogramm) ካብ ኒገር፣ ኢትዮጵያ፣ ከኒያ፣ ግብጺ፣ ሊባኖን፣ ጆርዳንያን ዝመጸ ብ ዕንቀጽ 23 ክፍሊ ዕንቀጽ 4
መሰረት ናይ መንበሪ ፍቃድ ይወሃቦ።
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሰብኣዊ ርህራሄ መድብ ንምሳሌ ካብ ቱርኪ ዝመጸ ብ ዕንቀጽ 23 ክፍሊ ዕንቀጽ 2 መሰረት ናይ መንበሪ ፍቃድ ይውሃቦ።

ቆጸራ ኣብ ናይ ወጻኣተኛታት ቤትጽሕፈት

ኣብዚ ቤትጽሕፈት ዝውሃብ ቆጸራ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለን ኾይኑ ኣቲ ቆጸራውን ነዊህ ግዜ
ይወስድ። ናይ መንበሪ ፍቃድ ንኽትረክቡን ክውሃበኩምን ብኣካል ተረኪብኩም ክትዛራረቡን ከተመልክቱን ኣለኩም። ኣብዚ ቆጸራ ኣዚ ኩሉ ኣባል ናይታ ስድራቤት ዕድሚኡ ካብ 6 ዕመት ንላዕሊ ዝኮነ ብኣካል ኣብቲ ቤትጽሕፈት ክርከብ ኣለዎ ምኽንያቱ ኩሎም ኣባላት ስድራ ዓሽራ
( ናይ ኣጻብኣቲ ክታም ) ስለ ዝውስደሎም ። መንነት ወረቀትኩም ንክስራህ ግዜ ስለዝወስድ ኣብቲ ናይ ቆጸራመዓልቲ ክትወስድዎ ኣይትኽኣሉን ኢኹም። ኣብ ክንድኡ ናይ መንበሪ ፍቃድ ሃቲትኩም ከም ዘለኹም ዘረጋግጽ ወረቀት ይዋሃበኩም ። ኣብዚ ወረቀት ኣዚ ሽምኩም ዝሰፈሮን ስኣሊ ኣልቦንዩ። ኣዚ ወረቀት ኣዚ ንኻልኣ ቆጸራታትኩም ኣገዳስን ኣድላይነ ስለ ዘለዎ በጃካትኩም ተጠንቂቅኩም ሓዝዎ። ድሕሪ 4 ክሳዕ 8 ሰሙን ጸኒሑ ታሴራኹም ንክትውስዱ ነቲ ዘመልከትኩምሉ ምስክር ወርቀት ሒዝኩም ቅረቡ። ኣዚ ቤትጽህፈት ኣዚ ክሓተኩምዩ ብናይ ሃርኩም ፓስፖርት ዲኹም መጺኩም ኢሉ ። ብናይ ሃገርኩም ፓስፖርት እንተድኣ መጺኹም ከተርእይዎም ግድንዩ ኮይኑግን ከተረክቡዎን ክትገድፉሎምን የብልኩምን።
እቲ ዘምጻኹሞ ፓስፖርት ትሕቲ ወይ ልእሊ 3 ዓመት እንተለዎ እዚ ቤትጽሕፈት ነቲ መንበሪ ወረቀት ከምቲ ንውሓት ግዜ ናይ ፓስፖርትኹም ከፍቅደልኩም ይኽእልዩ። ንምሳሌ ፓስፖርትኹም ናይ 2ዓመት ግዜ እተለዎ እቲ ናይ መንበሪ ፍቃድ ን 2 ዓመት ይህበኩም።
መዓልቱ ኣኺሉ ክህደስ እንተድኣ ኮይኑ ከይወደቀ ከሎ ብዓንተብኡ ከተመልክቱ ኣለኩም።
እዚ ቤትጽህፈት እዚ መንበሪ ፍቃድኩም ከነናዋሓልኩም ፓስፖርት ናይ ሃገርኩም ኣምጽኡ
ክብለኩም መሰልኣለዎ። ካብቲ ናይ ሃገርኩም ኤምባሲ ፓስፖርት ከተምጽኡ እንተዘይትኽእሉ ኾንኩም ሃደ ሃሙክሽታይ ዝሕብሩ ናይ ጉእዞ ዶክመንት ከተመልክቱ ትክእሉ ኢኹም።
ኮይኑ ግን እቲ ቤትጽህፈት ክህበኩም ክኸልኣኩምን መሰል ኣለዎ። ስለዚ ንስኻትኩ ኣብቲ ኤምባሲ ናይ ሃገርኩም ኬድኩም ፓስፖርት ከተውጽኡ ከምዘይትኽእሉን ሽግራትኩምን ጸገማቱኩምን ክትነግርዎምን ከተእምንዎምን ኣለኩም።
ብዛዕባዚ ጉዳይ ዝምልከት ሕቶታት እንተለኩም ናብቶም ናይ ሓቤረታት ቤት ጽሕፈት ከድኩም ሕተቱ።

ናይ መንበሪ ወረቀት ከተመልክቱ ከለኹም ዘድልየኩም ወረቃቅቲ

  • ተቀባልነትኩም ዘረጋግጽ ወረቀት ካብቲ ሃገራዊ ቤትጽህፈት ንስደተኛታትን ሓተቲዑቅባን
  • ፓስፖርትኹም ወይ ኣምሰይኡን ምስ ቪዛኡ
  • ፊት ንፊት ዝተሰኣልኩሞ ስእሊ
  • ናይ ተቀማጣይ ምስክር ወረቀት
  • መንበሪ ፍቃድ ወረቀት ዘመልከትኩሙሉ ዘረጋግጽ ወረቀት
  • ናይ ጥዕና ውሕስነት ካርድኹምን ናይ ስራህኣልቦ ሓገዝ ገንዘብ ከምትወስዱ መረጋገጺ
  • ውዕል ናይ ገዛ ዝተኻረኹምሉ ሰነድ

ኣብ ጀርመን ልሙድዩ ኣዚ ቤትጽሕፈት ታሴራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣበየናይ ከባቢ ንስደተጃታት ዝተመደበ ቦታ ከም ትቅመጡውን ክውስነልኩምዩ።
ከምቲ ምስ ምምሕዳር መንግስቲ ተሰማሚዕኩም ትኸድዎ ምስዚ ቤትጽሕፈትውን ተሰማሚዕኩን ኪዱ ንምሳሌ ኣብ ቆጸራኩም ክትርከቡ ከምዘለኩም ኣብ ቆጸራኩም ክትርከቡ ዘይትኽእሉ ኾንኩም ምኽንያት ዘይመምጺኡኩም ክትሕብርዎም ኣለኩም።

5 ናይ ሰራህተኛታት ቤትጽሕፈት ( jobcenter ) ወይስ ናይ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት (Sozialamt)

ካብታ መጀመርታ ዝኣተኹሙላ መዓልቲ ጀሚሩ መሰልኩምዩ ሓገዝ ካብ ሰራህተኛታት ቤትጽሕፈት SGB II ወይ ካብቲ ማህበራዊ ቤትጽሕፈት SGB X II ክትውሃቡ።
እዚ ማለት ከኣ ንመነባበሪኹም ዝከውን ገንዘብ፣ ናይ ጥዕና ውሕስነትኩም፣ ገዛኽራይ ይወሃበኩም
ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ፍሪድላንድ 20 € ይወስድ ንምሳሌ 5 ርእሲ ስድራቤት 100 € ይቅበሉ።
ካብዚ ገንዘብ እዚ ወለዲ ኣብ ድንኳን ንደቆም ሽኮራዊ ሕብስትን ካሬመላን መግዚ ይኾኖም።

ኣብ ጀርመን ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ቤትጽሕፈታት ሃደ ብዓልመዝኹምዩ።
ንጥሮተኛ ዕድሚኡ ካብ 65 ዓመት አላዕሊ፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎ፣ ክሰርሕዘይክእልን ሰብ ብዓልመዙ ሶሺኣልኣምት ይኸውን። ነቶም ዝተረፉ ጆብሰንተርዩ ብዓልመዞም።
ወረቃቅትኹም ናብቲ ዝምልከቶ ቤትጽሕፈት ምስ ሃብኩሞ ንኽስራህ ግዜ ስለዝወስድ ንግዚኡ
ቁሩብ ገንዘብ ወይ ከኣ ኣምሰያ ገንዘብ ኩፖን ክትሃቱ መሰልኩምዩ።

ናይ ሰራህተኛታት ቤትጽህፈት ( Jobcenter)

ኣብዚ ቤትጽሕፈት እዚ ብ መሰረት SGB II ሓገዝ ገንዘብ እተመልክትሉን እትረኽቡሉዩ።
እዚSGBII ብዘይዕላዊ ኣዘራርባ ሃርስፊር ( Harz IV) ይጽዋእ። ከምቲ ሓደ ጀርመናዊ ስራሕ ኣልቦ ዝውሃቦ ሓገዝ ገንዘብ ልክዕ ንስኻትኩምውን ክንድኡ ሓገዝ ገንዘብ ይወሃበኩም።
እዚ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ናይ ባንኪ ሕሳብኩም ዝስደደልኩም ገንዘብ ንመጓዓዝያታትኩም፣ ንኤለክትሪክ፣ ንክዳንኩም፣ ንተለፎን፣ ኣስቤዛኹም ዝሽፍንዩ።
በዚ ገንዘብ ብዙሕ ሙቾት ዘለዎ ( Luxus) ነገራት ዘይኮነስ ነቲ መዓልታዊ ናብራኹም ዘድልየኩም ነገራት ክሳዕ ኣቲ ዝቅጽል ክፍሊት ክኣክለኹም ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ኣጠቃቅማ ገንዘብ ብዙሕ ጥንቃቀ ከድልየኩምዩ።
ሓንሳብ (ንሓንቲ ግዜ) ተወሳኪ ሓገዝ ገንዘብ ዝወሃበኩም እንተድኣ እቲ እትቅመጥዎ ገዛ እኹል ኣቁሑት እንተዘይብሉ፣ ሓድሽ ገዛ ምስ ትቅይሩ ነቲ ገዛ ዝኸውን ኣቅሑት፣ ዓረብያ ናይ ህጻን ቆልዓ መግዛኢ፣ ተማሃሮ ብትምህርቲ መደብ ክገሹ ከለው ወይ ኣብቲ ከባቢ ብትምህርቲ መሰረት ንዝገብርዎ ምንቅስቃሳት፣ ንትምህርቲ ዘድልዮም ነገራትን፣ንኽረምቲ ዝኸውን ክዳውንቲ መግዛኢ ዘድልየኩም ምስ ዝከውንዩ። ነዚ ሓገዝ እዚ ንክትረክቡ ነንበይኑ ዝኮነ ዝምላእ ወረቃቅቲ ክትመልእዎን ከተመልክቱን ኣለኩም ካብኩሉ ኸኣ እቲ ቀንዲ ሓገዝ ከም ዘድልየኩል ወረቀት ከተመልክቱ ኣለኩም።

ቆጸራ ኣብ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት (Jobcenter)

ኣብቲ ቀዳማይ ቆጸራኩም ኣብዚ ቤትጽሕፈት ምስ ክልተ ሰራህተኛታት ክትራከቡ ኢኹም።
እቲ ሓደ ሰራሕተኛ ብዛዕባ ናይ ሓገዝ ገንዘብኩም እቲ ሓደ ኸኣ ናይ ስራሕ ምድላይን ምርካብን ዝተሓጋገዘኩዮ። ኣብዚ ቆጸራ እዚ ብመጀመያ ሓፈሻዊ ሓበሬታን ኣንፈት መንገዲ ስራሕኩምን ክትዛራረቡ ስለዝኾንኩም ዘለኩም ንስራሕኩም ዝምልከት ምስክር ወረቃቅቲ
ንምሳሌ ዝተመረቅኩሙሉ፣ ሰሚናራት ዝተኻፈልኩሙሉ፣ ናይ ሞያ ምስክር ወረቃቅትኹም ምሳኹም ተማልእዎ። ኣብዚ ቆጸራ ኣዚ ክትማልእዎ አንተዘይጠዓመኩም ኣብቲ ካልኣይ ቆጸራኩም ተማልእዎ ። ወረቃቅትኹም ምትርጟም ዘድልዮ እንተኾይኑ እዚ ቤትጽህፈት ክኸፍለልኩም ይኽእልዩ።
ኣብዚ ቆጸራዚ ዝፍረም ወረቃቅቲ ክውሃበኩምዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጀርመን ሓድሽ ናብራ ክትምስሩትን ንኽትበጽህዎ ዘለኩም ሽቶኹምን ንኽሕግዘኩም ዝሓዘለዩ። ኣዚ ከኣ ንስኻትኩምውን ሓላፍነትኩምዩ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን እቲ ቤትጽሕፈት ዝህበኩምን ዝነግረኩም ሕግታቱን ከተኽብሩ ከም ዘለኩም። ንምሳሌ ቆጸራ ክህበኩም ከሎ ኣብ ቆጸራኩም ብኣካል ክትርከቡ ከም ዘለኩም፣ ናይ 6 ወርሂ ናይ ምውሃህድኮርስ ( Integrationkurs) ክትካፈሉ ከምዘለኩም እንተድኣ ዘይተኻፈልኩም ንመጀመርያ30% ኣስዒቡ ከኣ 60% ካብ ናይ ሓገዝገንዘብኩም ክቆርጸልኩም መሰል ኣለዎ። ኣብ ቆጸራኩምን ንትምህርቲ ክትከዱ ዘይጥዕመኩም ኣንተኮይኑ ብቁዕ ምክንያት ክህልወኩም ኣለዎ ። ንምሳሌ ሕማም፣ ቆልዑት ሓላዊ ምስ ትስእኑሎም ቅድሚ ኮነት ክትሕብሩ ክትነግሩን ኣለኩም።
ናይ ባንኪ ሕሳብ ምስ ከፈትኩምን ናይ መንበሪ ፍቃድ ምስ ረኸብኩም ብቅልጡፍ ነዚ ቤትጽሕፈት ሃቡዎ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ወረቃቅትኩም መስርዑ ክሳብ ዝሕዝ ብዙሕ ግዜ ክትማላለሱ ኢኹም። ወረቃቅትኩም ተሰሪሑ ምስ ተወድኤ ገንዘብኩም ኣብቲ ናይ ባንኪህሳብኩም ከም ዝስደደልኩምን እቲ ሓገዝ ን6 ወይ ን12 ወርሒ ከምተፈቅደልኩም ደብዳቤ ክመጸኩምዩ ፍቃድ መዓልቲ ሃገዝኩም ከይሓለፈ ከሎ ንኽናዋሓልኩም ከተምልክቱ ናትኩም ግዴታዩ።

ኣብ ፈለማ እዘን ዝስዕባ ወረቃቅቲ ነዚ ቤትጽህፈት ኣገደስትን ኣድለይትንየን

  • እቲ ኣብ ፍሪድላንድ ዝተመላኤናይ ገንዘብ ሓገዝ ሰነድ
  • wep kl ek vm kdu
  • ናይ ጥዕና ውህስነት ካርድ
  • ተቀማጣይ ናይታ ከተማ ምኻንካ መረጋገጺ
  • ውዕል ናይ ገዛ ኽራይ
  • ፍቃድ መንበሪ ከምዝሓተትካ መረጋገጺ ወይ መንነትካ ዝገልጽ ዶኩመንት
  • ናይ ባንኪ ሕሳብ ቁጽሪ
  • ዘለካ ምስክር ሰነዳትን ታሪክ ህይወትካ ዝገልጽ ጽሑፍ ( Lebenslauf)
  • ብቀጥታ ሓገዝ ገንዘብ ንኽትረክብ ዝመላእካዮ ሰነድ
  • ንዓረብያ ናይ ቆልዓ መግዛኢ ዝመላኣኣዮ ወረቀት
  • ንትምህርቲ ዘድልየካ ነገራት መግዛኢ ዝመላእካዮ ወርቀት
  • ካብቲ ናይ ጥዕና ውሕስነት ዝወሃበካ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ታሴራ

ንተወሳኪ ሓበሬታ
ኣቲ ካብ ጃንዋሪ2021 ዝጸደቀ ንዓካትኩም ዝወሃበኩም ሓገዝ ገንዛብ ክንደይ ምኻኑ ንክትፈልጡ ኣብዚ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ኣቲኹም ኣንብብዎ።

https://www.bundesregierung.de/breg-de/aktuelles/regelsaetze-steigen-1775798

ኩሎም ዝምላኡ ወረቃቅቲ ምስ ኣማላልኣ ሓበሬታን ብቋንቋ ጀርመን ኣብዚ ናይ ኢንተርነት ኣቲኹም ከተራግፉ ትኽእሉ ኢኹም።

https://www.arbeitsagentur.de/en/welcome

ማህበራዊ ቤትጽሕፈት ( Sozialamt)

ብምኽንያት ሕዱር ሕማም፣ ኣካለስንክልና፣ ዕቤትን ኣብ ጀርመን ክትሰርህ ዘይትኻል እንተኾንካ እዚ ቤትጽህፈትዩ ብዓል መዝኻ። ካብዚ ቤትጽህፈት እትረኽቦ ሓገዛት ማሕበራዊ ሓገዝ (Sozialhilfe) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ንሕሙማትን ኣካለሱንኩላንን ተወሳኺ ዝወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ስለዘሎ ሕተቱን ኣመልክቱን።

ነዚ ቤትጽህፈት ዘድልየካ ወረቅቅቲ

  • ሓገዝ ንኽውሃበካ ዝምላኣ ሰነድ
  • መንነትካ ዝገልጽ ታሴራ፣ ፓስፖርት
  • ውዕል ናይ ገዛኽ ኽራይ
  • ናይ ጥዕና ውሕስነት ካርድ
  • ብቀጻሊ ኣብ ስራሕ ክትሰርሕ ከምዘይትኽእል መረጋገጺ
  • ናይ ባንኪ ሕሳብ ቁጽሪ

6 ናይ ስድራቤት ካሳ ( Familienkasse)

ንደቅኹ ዝወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ስለዘሎ ኣብዚ ቤትጽሕፈትዚ ንደቅኹም ከተመዝግቡዎም ኣለኩም። ኣቲ ናይ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈትውን ደቅኩም ኣብቲ ናይ ስድራቤት ካሳ ኣመዝግቡዎም ኢሉ ከገድደኩም መስል ኣለዎ። እዚ ሓገዝ ገንዘብ ንትሕቲ ዕድመን፣ ክሳዕ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ሞያ ትምህርትን፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝመሃሩንዩ።
ካብቲ ማሕበራዊ ኾነ ናይ ሰራህተኛ ቤትጽሕፈት ሓገዝ ትውስዱተለኹም እቲ ናይ ቆልዑት ዝወሃብ ገንዘብ ኣብቲ ሕሳብ እትውዩ። ተወሳኺ ኣይመጸኩምንዩ።
እንተድኣ ዕላዊ ስራሕ ጀሚርኩምን ሓገዝ ገንዘብ ካብ ዝኮነ ቤትጽሕፈት ምስ ዘይትወስዱ
ኣቲ ናይ ቆልዑት ዝመጽእ ገንዘብ ኣብቲ ልዕሊ ደሞዝኩም ይመጸኩም።

ነዚ ንምምልካት ዘድልየኩም ወረቃቅቲ

  • እቲ ቀንዲ ንሓገዝ ዝምላእ ሰነድ
  • ደፍተር ስድራን ናይ ትውልድን መርዓን ምስክር ወረቀት (እንተተርጉሙ ዝበለጸ)
  • ናይ መንበሪ ወይ ከኣ ናይ መንበሪ ፍቃድ ሓቲትኩም ከም ዘለኩም መረጋገጺ
  • ካበይ ሓገዝ ገንዘብ ከምትወስዱ መረጋገጺ ( SGB II ወይ SGB XII)

7 ባንኪ

እቲ ዝወሃበኩም ሓገዝ ገንዘብ ይኹን ካልእ ናይ ገንዘብ ምንቅስቃሳት በቲ ናይ ባንኪ ሕሳብ
ክስራህ ስለ ዝቀልል ኣብ ባንኪ ከድኩም ናይ ባንኪ ሕሳብ ክፈቱ። ኣብ ጀርመን ብዙሓት ትካላት ናይ ባንኪ ኣለዋ ንስኻትኩም ግን ንዓካትኩም ዝቀርበኩምን ግብሪ ክንደይ ከምዘኽፍሉኹምን ኣብ ጥቃኩምክ ገንዘብ ተውጽእሉ ኣውቶማት ኣሎዲዩ ኣመዛዚንኩ ምረጹ።
ኣብ ጀርመን ሕሳብ ባንኪ ንምክፋት ታሴራ ወይ ፓስፖርት የድሊ ስለ ዝኾነ ታሴራኹም ወይ ፓስፖርትኹም ተማልእዎ።
ናይ ባንኪ ሕሳብ ቁጽርኹም ምስተቀበልኩም ንኹለን ሓገዝ ዝህባኹም ቤትጽህፈታት ሃቡወን።

ሕሳብ ባንኪ ንኽትከፍት ዘድልየካ ወረቃቅቲ

  • ናይ መንነትካ መግለጺ ወረቀት ወይ ታሴራ ንክትወሃብ ኣመሊክትካ ከም ዘለኻ መረጋገጺ
  • ተቀባልነትኩም ዘረጋግጽ ወረቀት ካብቲ ሃገራዊ ቤትጽህፈት ንስደተኛታትን ሓተቲዑቅባን
  • ናይ ተቀማጣይ አረጋገጺ


© UNHCR/Howard Davies

8 ምኽሪ

ኣብ ጀርመን ሕዲሽ ዲኻ ብዙሕ ሕቶታት ኣለካዶ?
ብዙሕ ደብዳቤታት ክመጸካ እዩ እንታይ ትህዝቶዩ ዘለዎ ክትፈጥ ትደሊዶ?
መብዛሕታኡ ሕቶታትካ እቶም ገበርቲ ሰናይ ናይ ኣማኸርቲ ቤትጽሐታት ክምልሱልካ ኣዮም።
ብዙሓት ኣማኸርቲ ቤትጽፈታትን ማሕበራትን ብዘይ ክፍሊት ገንዘብ ሓገዛተን የበርክታ።
ሕቶታትኩም ብምምላስን ሓበሬታት ብምሃን ብትኽክል ውሳነኹም ንክትውስኑ ይሕግዛ።
ንዓበይትን ንመንእሰያትን ብዙሕ መደባት ስለዘለወን ከይሓፈርኩም ተወከስወን።
ገሊኤን ማሕበራት ተርጋማይ ኣለወን ገሊኣኤን የብለንን ንስኻትኩም ግን ትፈልጥዎም ሰባት እተረኺብኩም ኣብቲ ቆጸራኹም ምሳኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብቲ ትገብርዎ ናይ ምኽሪ ዝርርብ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰን ስቱርን ንደገ ዘይወጽእ ስለ ዝኾነ ከይፈራሕኩም ሕቶታትኩም ኣቅርቡ። ብዘይ ፍቃድኩም ዝኾነ ሰራህተኛ ኮነ ኣማካሪ ምስ ሳልሳይ ኣካል ክዛረብ ኣይፍቀዶንዩ። አተድኣፍቂድኩምሉ ግን ሓቲቱ ድዩ ወይ ተዘራሪቡ ምስ ሳልሳይ ኣካል መልሲ ከግረኩዩ።

ናይ ስድተኛታት ኣማኻሪ ንዓበይቲ ( Migrationsberatung ) MBE

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብዝወሃደ ሓደ ማሕበር ኣማኸርቲ ንዓበይቲ ኣሎ።
ሽሙ ከኣ ኢመግራሲኦንበራቱንግ ይበሃል። ኣድራሻታቶም ንምርካብ እዚ ኢንተርነት ኣድራሻ ተጠቀሙ።

http://webgis.bamf.de/BAMF/control

ናይ መንሰያት ስደተኛታት ኣማኻሪ ( Jugendmigrationsdienst)

ዕድሚዖም ካብ 12 ክሳብ 27 ዓመት ዘለው መንእሰያት ዝተፈላለየ መደብን ምኽርን
አዚውን ብዘይ ክፍሊትን ብእምነትንዩ ዝውሃብ። ኣብዚ መደብ ምኽሪ እዚ ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ናይ ሞያ ትምህርቲ፣ ናይ ሞያ መደበትን ይዝተ።
ኣብዚ ቤትጽሕፈት ከድካ ጥራይ ዘይኮነስ ብኢንተርነትውን ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም

https://www.your-way-in-germany.org/

https://www.bousaletuk-fi-almanya.org/

ምኽሪ ተቀባልነት ምስክርወረቃቅትኹም

ምስክር ወረቃቅትኹም ንምሳሌ ናይ ትምህትርኹም፣ ሞያ ስራሕኩም፣ ዩኒቨርስቲ ዲፕሎም ወይ ዲግሪ እንተለኩም ንኽትርጎመልኩምን ተቀባልነትውን ንክህልዎ ነዚ ቤትጽሕፈት ሕተቱዎ።
ኢንግሪዘኛ ትዛረቡ እንተድኣ ኾንኩም በቲ ናይ ሓገራዊ ቤትጽህፈት ንስደተኛን ሓተቲ ዑቅባን ( BAMF ) ቴለፎን +493018151111ደዊልኩም ክትሓቱን እቶም ሰራህተኛታትውን ኣየናይ ቤትጽህፈት ከም ዝተሃባበረኩም ክነግሩኹም ኢዮም።
ንተወሳኺ ሕበሬታ ኣብ ኢንተርነት ብኢንግሊዘኛ ቋንቋ

https://www.netzwerk-iq.de/en/offers/service-for-immigrants

ሕዱር ስምባደን ስነ ኣእሙራዊ ጭንቀታት

ሕዱር ስምባደን ስነ ኣእሙራዊ ጭንቀታት ዘለኩም ሰባት በዚ ቴለፎን ኢዚ +4922871002425 ሰኑይ፣ ሰሉስ፣ ሮቡዕ ካብ ሰዓት10:00 ክሳዕ12:00
ከምኡውን ካብ ሰዓት14:00 ክሳብ15:00 ብቋንቋ እንግሊዘኛ፣ ፈረንሳይ፣ ዓረብ ሓገዝ ክትረኽቡ ትክእሉ ኢኹም። እዚ ቴለፎን እዚ ናይ መንፈሳዊ ሕልና ቴለፎን ይብሃል።
ኢንተርነት ኣድራሻ

https://www.bapk.de/fileadmin/user_files/bapk/projekte/seelefon_flyer.pdf

ብፍላይ ንደቂንስትዮ

ደቀንስትዮ ዓመጽ ዝበጽሄንን ኣብ ኣስጋኢ ናይ ዓመጽ ኩነታት ዝርከባ በዚ ቴለፎን +498000116016 ሓበሬታ ይረኽባ። ኣቶም ሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ ኣዮም።
እዚ ምኽሪዚ ገንዘብ ዘይክፈሎን፣ ስቱርን፣ 24 ሰዓት ዝሰርህ ቴለፎንዩ።
ሽምክን ክትረቁሓ ድልየት እንተዘይደሊኽን ብስውር ስም ወይ ብኻልእ ስም ምክሪ ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን።
ኢንተርነት ኣድራሻ

https://www.hilfetelefon.de/das-hilfetelefon/beratung/beratung-in-17-sprachen/englisch.html

ሓበሬታ ብዛዕባ ጥንስን ጥንሲ ምስዳድን

ብዛዕባ ጥንስን ጥንሲ ምስዳድን በቲ ምኒስትሪ ስድራቤትን፣ ኣረገውትን፣ ደቀንስትዮን፣ መንእሰያትን ዝውሃብ ሓበሬታ በዚ ቴለፎን ኢዚ 0800404020 ተወከሳ።

ኢንተርነት ኣድራሻ

https://www.schwanger-und-viele-fragen.de/en.html

ምክሪ ሕንጥንሲ ምስዳድ ኢንተርንት ኣድራሻ

https://www.profamilia.de/fileadmin/publikationen/Erwachsene/mehrsprachig/Kurzinfo_Schwangerschaftsabbruch_Arabisch.pdf

ሓገራዊ ማሕበር ንበይኖም ደቆም ዘዕብዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ሓብሬታን ምኽርን ብዛዕባ ጥንሲ፣ ምውላድ ቆልዓ፣ ምፍልላይ፣ ምፍታሕ፣ ስራሕን ምዕባይ ቆልዓን ምውህሃድ፣ ማሕበራዊ ሓገዛት፣ እቲ ብፈላጣት ሕጊ ክኽፈልዘለዎ ክፍሊት ወዘተ ምኽሪ ይህብ።

ሕጃብ ጌረ ክሰርሕ ይኽእልዴ? ( ምሉእ ጸግረይ ተሸፊነ ክሰርሕ ይኽእልዴ)
ናይዚ ሕቶ መልሲ ንኽትረኽቡ ኣብዚ ኢንተርነት ኣድራሻ ተመልከታ

https://www.nds-fluerat.org/wp-content/uploads/2018/12/Arbeiten_mit_Kopftuch_Aktuell_Arabisch.pdf

ግብረሶዶም ( LGBT)

ማሕበር ግብሪሰዶማዊ፣ ማሕበር ግብረስዶማዊትን ንግብረሶዶም ዝፍጽሙን ብምኽንያት ዝምባሌኦም ዝተሰዱ ደቂሰባትን በዚ ኢንተርነት ኣድራሻ https://www.queer-refugees.de ሓገዙ ይህብ። ብሸሞንተ ዓይነ ቋንቋ ዝተዳለ ሃባሪ ጽሑፋት ተዳልዩን ናበይ ከይዶም ሓበሬታ ከም ዝረክቡን ይሕብር።

መርዓ ፣ ምፍልላይ ፣ ፍትሕ

ኣብ ማዛጋጃቤት ከድካ ዕላዊ መርዓ ንኽትገብር ኣብ ጀርመን ብዙሕ ወረቃቅቲ የድሊ።
ብዛዕባ መርዓ ዘድልዩ ወረቃቅትን ካብዚ ማህበር ምሕዝነትን ( Partnerschaft)፣ ካብ ሓደ ዜጋ ንላዕሊ ዝተመስረተ ስድራ (binationaler Familien) ክትረክብ ትኽእል።
ምናልባሽ ናይ ፍትሕ ሓሳብ አተለካውን ሓበሬታ ይህቡኻ
ተወስኺ ሓበሬታን ናይ ሓበሬታ ኣድራሳታትን ኣብ ኢንተርነት
https://www.verband-binationaler.de/index.php?id=591 ተጠቅም።

9 ናይ ጥዕና ውሕስነትን ኣብ ሓኪም ምኻድን

እቲ ሕጊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ዘፍቕደልኩም SGB V ይብሃል። ኣንተድኣ ሓገዝ ካብ ጆብሰነር ትቅበሉ ኣለኹም ንሱ ነቲ ክፍሊት ባዕሉ ይኸፍለልኩም። ኣብ ጀርመን ብዙሓት ትካላት ኣለዋ ኣብ ድላይኩም መሪጽኩም ንክትምዝገቡ መሰል ናትኩምዩ። ኣቲ ነተን ትካላት ዝኽፈል ክፍሊት ፍልልዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ ኣቲ ዝወሃበኩምን፣ ዝፍቀደልኩምን ኣገልግሎት ግን ይፈላለዩ። እቲ ምምዝጋብ ኣብተን ናይ ጥዕና ውሕስነት ዝህባ ትካላት ግን ባዕልኹም ከድኩም ኢኹም ትምዝገቡ።
ኣብ ኢንተርነት ናይቲ ትካል ኣቲኹም ኣቲ ዝምላእ ሰንድ መሊእኩም ምስ ስልታትኩም ጽዒንኩም ብ ኢንተርንት ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም ወይክኣ ኣብቲ ኢንተርነት ናይቲ ትካል ኣቲኩም ኢቲ ዝምላእ ሰነድ ኣራጊፍኩም መሊኣኩም ምስ ስእልታትኩም ብፖስታ ትእኩሎም። ኣብቲ ትካል ቤትጽሕፈት ከድኩምውን ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ንስድራቤት ዝምልከት ተወሳኺ ዝምላእ ወረቀት ኣመልክቱ።

ኢቲ ትካል ስርሑ ወዲኡ ናይ ነፍሲወከፍ ሰብ ቺፕ ዘለዎ ከምቲ ናይ ባንኪ ካርድ ዝመስል ይሰደልኩም። በዚ ካርድ እዚ ናብ ሓኪም ከድኩም ክትህከሙ ትክእሉ።
ቅድሚ ኢቲ ካርድ ምምጻኡ ናብ ሓኪም ክትከዱ እንተደሊኹም ነቲ ትካል ነጊርኩም መሄከሚ ወረቀት ወሲድኩም ክትህከሙን መድሃኒት ትወስዱን ትኽእሉ።

ናብ ሓኪም ምኻድ
ቅድሚ ናብ ሓኪም ምኻድኩም ቴለፎን ደዊልኹም ቆጸራ ሓዙ። ሆስፒታላት ነቲ ናይ ግድን ክርኤ ዘለዎ ህማማት ክርእይኹም ግዜ እኳ እንተሃለወ ቀስ ኢልካ ንዝሳሰ ሕማማት ናብሓኪም
ወይ ፍሉይ ናይ ሞያ ሓኪም ከድኩም ተርኣዩ።
ንመጀመርያ ናብ ሓኪም ክትከዱ ከለኹም እቲ ናብ ጀርመን ቅድሚ ምምጻእኩም
ካብ ኣይ ኦ ኤም ( IOM) ዝተዋህበኹም ናይ ጥዕና ወረቃቅትኩምን ናይ ክትባት ደፍተርኩምን ተማልእዎ። ኢዚ ሰነድ ኢዚ ኣብቲ ሰማያዊ ቦርሳኩም ኣሎ።
ቆልዑት ቅድሚ ምህማሞም ዝግበር መርመራታት ኣሎ እዚ ኸኣ ኡ ምርመራታት ( U Untersuchungen) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ምርመራታታዚ ክሳብ 10 ግዜ ዝበጽሕን ግድን ደቅኹም ክገብርዎ ዘለዎም ምርመራታትዩ። ኩሉ ምርመራታት ውጺኢቱ ኣቢ ብጫ ደፍተር ይጽሃፍ። ክትባት ዘድሊ እንተኾይኑውን ክነግረኩምዩ። ካብቲ ናይ ጥዕናውሕስነት ትካል ናይ ማህበራዊ ውሕስነት ታሴራ (Sozialversicherungausweis) ይወሃበኩም። ኣብዚ ናይ ታሴራኹምን ናይ ጥሮታኹምን ቁጽሪ ኣሎ። ኣዘን ቁጽርታት ኣዚኣተን ኣብ ብዙሕ ቤትጽሕፈታት ከድልያኩምየን።

ንምምዝጋብ ኣብ ናይ ጥዕና ውሕስነት ዘድሊ ወረቃቅቲ

  • ኣባል ንኽትኮኑ ክታምኩም ዘለዎ መመዝገቢ ሰነድ ንውልቂ ሰብ ይኹን ንስድራ
  • ናይ ተቀማጣይ ወረቀት
  • ናይ ነፍሲ ወከፍ ታሴራኹም ወይ ፍቃድ መንበሪ ሃቲትኩም ከም ዘልኩም ምስክር ወረቀት
  • ናይ ትውልዲ፣ ናይ መርዓ ምስክር ወረቀት
  • ሓገዝ ገንዘብ ትወስዱሉ መረጋገጺ SGB II ወይSGB VII
  • ስእሊ ናይ ኩሉኹም

10 መደብ ቋንቋ

ብመደብ ናይ ዩኤን ( UN) ንጀርመን አንተድኣመጺኣኩም ቋንቋ ጀርመንን ሓበሬታ ብዛዕባ ሃገር ጀርመንን
ክትምሃሩ ፍቃድ ኣለኩም። ኢዚ ኸኣ ብሕጊ ቁጽሪ § 44 ቁጽሪ 2 ኣይ መንበሪ ሕጊ ሰፊሩ
ኢንተግራሲኦንኩርስ ( Integrationskurs) ይበሃል።
ኣብቲ ካብ ፍሪድላንድ ክትከዱ ከለኹም ዝወሃበኩም ወረቃቅቲ ኣዚ ናይ ፍቃድ ወረቀትውን ምስኡለኩም።
ኣዚ ወረቀት እንተድኣ ጠፊእኩም ኣብቲ ኣብ ብራውንሽዋይግ ዘሎ ናይ ባምፍ ( BAMF) ቤትጽሕፈት ሃቲትኩም ክትረክብዎ ትክእሉ ኢኩም።
ምምዝጋብ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ናትኩም ሕላፍነትኩም ስለ ዝኮነ ኣድራሻታተን ንምድላይ በዚ ኢነርነት ኣድራሻ ድለዩ። ኣብቲ ከተማ ዝብል ቦታ ሽም ናይ ከተማኹም ኣስፍርሉ

https://www.bamf.de/EN/Service/ServiceCenter/BeratungVorOrt/Integrationskurse/integrationskurse-node.html

https://www.bamf.de/AR/Themen/Integration/ZugewanderteTeilnehmende/zugewanderteteilnehmende-node.html

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናይ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈትን ኣብቲ ቁጽሪ8ተቂስናየን ዘለና ማህበራት ከድኹም ሕተቱ። ኣቲ ዓኻትኩም ዝበቅዕ ኮርስ ክሳብ ዝርከብ ነዊህ ግዜ ክወስድ ይኽእልዩ።
ኣብቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ንኽትምዝገቡ እቲ ናይ ቋንቋ መምሃሪ ፍቃድ ወረቀት ኣርእይዎም።
እቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ገንዘብ ኣይክፈሎንዩ ኮይኑ ግን ኣቲ ካብ ክፍሊት ነጻ ዝገብረኩም ወረቀት ክትምላእዎ ኣለኩም። ሓዳ ሓደ ትምህርትታውን ባዕለን ይመልኦኦየ።
ካብ ገዛኹም ክሳዕ ቤትምህርትኹም 3 ኪሎ ሜትርን ርህቀት እንተለዎ ናይ መጓዓዝያ ቲኬት ይፍቀደልኩም
ኣዚ ናይ ትምህርቲ መደብ 700 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ዘለዎ 600 ሰዓት ቋንቋ ጀርመን 100 ሰዓት ክኣ ብዛዕባ ሃገር ጀርመን ህግታቱን ኣቅጣጫ ዝገልጽ መደብዩ።
ነቶም ፊደል ዘይተማህሩን፣ ክጽሕፉን፣ ከንቡቡን ዘይክእሉ ሰባት ክሳዕ 1000 ናይ ትምህቲ ሰዓትን ተወሳኺ300 ሳዓትን ይፍቀደሎም።
ኣብዚ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዝተፈላለየ ክፍልታት ንምሳሌ ንዓበይቲ፣ ንመንዕሰያት፣ ነዴታት ምስ ደቀን፣ ቅልጡፍ መደብ ትምህርቲ ስለ ዘለዎ ፈተና ተፈቲንኩም ኣብቲ ዓቅምኹም ዘፍቀዶ ትምደቡ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት

ከምቲ ንስካትኩም ቋንቋ ንኽትምሃሩ መሰል ዘለኩም እቲ ናይ ሰራሕተኛታት ቤትጽህፈትን ናይ ወጻዕተኛታት ቤትጽሕፈትንውን ተምሃሩ ኢልም ክህብሩኹምን ከገድድኹምን መሰል ኣለዎም።
እዚ ማለት ከኣ ነቲ ካብኣቶም ትረክብዎ ሓገዝ ግደ ኣለዎ።

ካብዚ ግደታዚ ነጻ ዝኮኑ ንምሳሌ ሕዳር ሕማም ዘለዎም፣ ናይ ሞያ ትምህርቲ ዝጀመሩ፣ ንሕሙም ኣባል ስድራቤቱ ዝኣሊ ሰብ ፣ ንኣሽቱ ቆልዑት ዘለወን ኣዴታት ካስ እቶም ቆልዑት ዝዓብዩ ግዜ ይወሃበን ዳሕራይ ይቅጽሎኦ ።

ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ንኽትምዝገብ ዘድሊ ወረቀት

  • ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ፍቃድ ወረቀት
  • ታሴራ
  • ካብ ክፍሊት ነጻ ዝገብረካ መመልከቲ ወረቀት
  • ናይ መጉዓዝያ ቲኬት ክኽፈለልካ ዝምላ ሰነድ
  • ናይ ገንዘብ ሓገዝ ትወስደሉ ወረቀት SGB II ወይ SGB VII

11 ትምህርትን መዋእለ ሕጻናትን

ቆልዑት ትሕቲ 6 ዓመት

ከም ወለዲ መጠን ደቅኹም ናብ ትምህርትን መዋእለ ሕጻናትን ቀልጢፎም ንኽጅምርልኩም ድሌትኩምዩ
ኮይኑውን ንስኻትኩም ትምህርትን መዋእለህጻናት ደሊኹም ከተመዝግብዎም ከተጀምርዎምን ሕላፍነትኩምዩ። ትሕት 6ዓመት ዘለው ቆልዑት ናብ መዋእለህጻናት ይኸዱ። ዕድሚኦም ክሳዕ 3 ዓመት ዘለው ቆልዑት ፍሉይ መዋእለህጻናት ኣለዎም እዚ ኻኣ ኪደርክሪፐ ( Kinderkrippe) ይበሃል ።
ብዙሓት ትካላት ዝተፈላለየ ኣገልግሎት የበርክታ ንምሳሌ ናይ 4ሰዓት፣ ናይ 6 ሰዓትን ካብዚ ንላኣኦልውን ስለ ዘለወን ንዓኹም ዝሰማማኣኩም ትካል ምረጹ።
ቦታ ንምርካ ብጣዕሚ ኣሸጋርን ነዊሕ ግዜ ስለ ዝወስድ ንስኻቱም ብቅልጡፍ ኣብ ብዙሓት ትካላት ከተመዝግብዎም ኣለኩም። ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት በቲ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ባዕሎም ስለዝልእኹለን ኣብ ከተማኹም እንታይ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣሎ ሕተቱ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ በቶም ማሕበራት ኣማኸርቲ ወይ ናይቲ ከተማኹም ኢንተርነ ገጽ ኣቲኹም ኣንቡቡ።

መብዛሕታኡ ግዜ እቲ ክፍሊት ወለዲዮም ዝኸፍልዎ ሓደ ሓደ ትካላት ናይ ሓደ ዓመት ነጻ ካልኦትውን በበይኑ ዓይነት ክፍሊ ስለዘለወን ከተመዝግቡ ከለኹም ናይ ክፍሊት ሊስታ ሃቡና በሉዎም። ኣንተድኣ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ጆብሰንተር ወይ ካብ ሶሲያልኣምት ትወስዱ ኮንኩ ባዕሎም ስለ ዝኸፍልዎ ከተመልክቱ ኣለኩም።
እዚ ክፍሊት እዚ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ይፈላለዩ። ገለ ምልኡ ገለ ፍርቁ ይከፍሉ።

ቆሎኡት ልዕሊ 6 ዓመት

ኩሎም ቆላዑት ልዕሊ 6 ዓመት ናብ ቤትትምህርቲ ክኸዱ ናይ ግድንዩ። እዚ ሕጊዚ ድሕሪ 9 ዓመት ንትምህርቲ ምካዶም ይውዳእ። ኣብ ጀርመን ትምህርቲ ዝጅመረሉ ግዜ ኣብ ዩሊ (Juli) ወይ ኣጉስት (August) ዩ።
መባእታዊ ትምህርቲ ንቆልዑት ደቂ ዓመት ካብ ቀዳመይ ክሳዕ ራባኣይ ክፍሊ ይምሃሩ። ናይ ትምህርቲ መደብ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ካብ ትምህርቲ ናብ ትምህርቲ ይፈላለ። ናይ መንግስቲ ትምህርትታት ክፍሊት ዘይብሉ ነጻዩ ኮይኑ ግን ንመጻሕፍቲ፣ ንመግቢ፣ ሃቢሮም ምስ ክፍሎም ንዝገብርዎ ምንቅስቃሳት ባዕልኹም ኢኹም ትከፍልዎ። ሓገዝ ካብ ጆብሰንተር ትቅበሉ ኮንኩም ካብቲ ክፍሊት ነጻ ክትኮኑ ከተመልክቱ ኣልኩም። ኣዚ ሓገዝ እዚ ናይ ትምህርቲን ሓገዝ ኣባልነት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ካብ ወጻኢ ንዝመጹ ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ቋንቋ መደብን ክፍልታትን ስለ ዘሎ ወለዲ ደቆም ክንደይ ዓመት ንትምህርቲ ከም ዝኸዱን እንታይ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ከም ዝበጽሑን ከይ ሓባእኩም ምስትሕብሩ ንሳቶም ኣብቲ ዝበጽህዎ ደረጃ ይምደቡን ኣብቲ ክፍሊውን ካልኣይ ግዜ ክደግም ይፍቀደሎም።

ንትህርቲ ወይ መዋእለህጻናት ምዝገባ ዘድሊ ወረቃቅቲ

  • ናይታ ክተማ ተቀማጢ ምኻንካ ሰነድ
  • ታሴራ
  • ቀንዲ ናይ መመዝገቢ ወረቀት
  • ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቀት
  • ፓጀላ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቀት


© UNHCR/Gordon Welters

12ናይ ራድዮን ቴለቪዝን ግብሪ

ኣብ ጀርመን ናይ ራዲዮን ቴሌቭዝንን ወርሃዊ ግብሪ ናይ ግድንዩ ዝኽፈል። ካብ ናይ ሰራህተኛታት ወይ ካብ ናይ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት ሓገዝ ትወስዱ እንተኾንኩም ነጻ ኽትገብርዎ ከተመልክቱ ኣለኩም። እቲ ናይ ነጻ ወረቀት ናብቲ ግብሪ ዘኽፍል ትካል ክትልእኹዎ ኣለኩም።
ተወሳኺ ሓበሬታ

https://www.rundfunkbeitrag.de/welcome/index_ger.html

https://www.rundfunkbeitrag.de/welcome/arabisch/index_ger.html

13 ውሕስነት ወይ ኢንሹራንስ

ኣብ ጀርመን ብዙሕ ዓይነት ውህስነትዩ ዘሎ ንምሳሌ ናይ ገዛ፣ ናይ መኪና፣ ናይ ስኒ፣ ናይ ጉዕዞ ወዘተ
ኣቲ ኣገዳሲግን ናይ ተሓታቲ ውህስናዩ ኣዚ ውህስናዚ ንምሳሌ ወድኩም ወይንስኹም ብዘይ ፍላጥ ንትሰብርዎ ንብረት ወድኹም ናይ መሃዙትኩን ንብረት ምስ ዝሰብር ክጠቅመኩም ይክእል። ነቲ ዝተሰብረ ነገር ኸመይን ኣበይን ተንቲንኩም ብጽሑፍ ናብቲ ናይ ውሕስነት ትካል ምስ ልኣክሞ ንሱ መርሚሩ ነቲ ክፍሊት ይኸፍለልኩም።
ተወሳኺ ሓቤረታ

http://assets.vzbv.de/assets/videos/Haftpflichtversicherung_ara_UT.mp4

14 ውዕል

ናይ ኤለክትሪክ፣ ሞባይል፣ ኢንተርነት ምስ ቴሌፎን፣ አለትሮኒክ ኣቑሑት ወዘተ ክትገዛኡን ክትጥቀሙን ከለኹም ውዕል ክትፍርሙ ኢኩም። ኮይኑ ግን ቅድሚ ምፍራምኩም ኣብቲ ውዕል ኣንታይ ሕግታትን ናይቲ ውዕል ንውሓት ግዜን ንመጻኢ ገለ ነገር እንተተጋኒፉ ኣንታይ ሳዕቤን ኣለዎ ኣጸቢቅኩም ኣንቢብኩም ተረዲእኩ ፈርሙ።
ንምሳሌ ሓደ ናይ ሞባይል ውዕል ን2 ዓመት ንወርሒ 30 € ትፍርሙ እቲ 30 € ኣብ ወርሒ ክትከፍልዎ ንተዘይከኣልኩም ናይ 2 ዓመት ዕዳ ኣለኩም። ዕዳኹም ናይ ኣከፋፍላን ወይ ካልእ ፍታሕ ምስቲ ትካል ናይ ግድን ክትሰማምዑ ኣለኩም።
ምስ ኣዝማድኩምን ፈተውትኹም ንክትራከቡ ሲም-ካርድ ( SIM- Karte) ከድልየኩምዩ ። ብውዕል ዝግዛእ ሲም ካርድ ኣብ ዕዳ ከየእትወኩም ውሱን ገንዘብ መሊእካ እትጥቀመሎም ሲም ካርድ ስለዘሎ ገዚእኩም ክትጥቀሙ ትኽእሉ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

http://assets.vzbv.de/assets/videos/Handyvertrag_ara_UT.mp4

ካብ 01.07.2017 ዝወጸ ሕጊ ሲም ካርድ ንክትጥቀሙሉ ናይ ግድን ክምዝገብን ክኽፈትን ኣለዎ ንከተመዝግብዎ ናይ ግድን ታሴራ ከድልየኩምዩ። ኣብቲ ዝገዛእኩሙሉ ዱካን ወይ ቪዲዮ ወይ ብፖስታ ሲም ካርድኹም ከተመዝግቡ ትኽእሉ። ገለ ገለ ትካላት ሓደ ሓደ ናይ መንነት ወረቀት ኣይቅበሎንየን ።
ንምርግጋጽ ሕተቱ። እቲ ናይ ተጠቀምቲ ማህበር ኒደርሳክሰን ን23 ትካላት ብዛዕባ ምዝገባ ኣካይዳ ሃቲቱሎ።

15 ገዛ ምድላይን፣ ምሓዝን፣ ምቅያርን

ኣበይ ኣየ ገዛ ክደሊ ዝፍቀደለይ?
ብሰብኣዊ ርሕራሄ ወይ ብናይ ዩኤን መድብ ዝመጻእኩምን ካብ ፍሪዳንድ በቲ ዘሎ ናይ መወዝኢ ቁጽሪ ናብ ዞባኹምን ከተማኹምን ክትከዱ ተመዲቡዩ። ምንምኳ ኣዚ መደብ ጥቃ ኣዝማድኩም ንትኽትቅመጡዩ መድቡ ኮይኑ ግን እተን ዞባታትን ከተማታትን ተወሰነ ቁጽሪ ስለ ዝቅበላ ክሉ ግዜ ጥቃ ኣዝማድኩም ኣይትኽእሉን ኢኹም።
እቲ ዝወሃበኩም ገዛን ኣበይ ከም ትቅመጡን ኣቲ ምምሕዳር ናይታ ከተማዩ ወሳኒ። መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ሓባር ገዛ ሃይም ዝበሃል ዩ ትምደቡ። ኣዚ ስለዝኾነ ከኣ ናትኩም ናይ በይንኹም ገዛ ንኽህልወኩም ትምነዩ።
ንስኻትኩምውን ገዛ ደሊኹም ናትኩም ገዛ ክትሕዙ ፍቁድ እዩ። ካብቲ ዝተመደብኩሞ ዞባን ከተማን ክትቅይሩ ኣንተድኣ ደሊኩም ክትጥንቀቅሉ ዘለኩም ነገራት ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባን ምምሕዳርን ናቱ ሕግን ስርዓትን ስለ ዘለዎ ክትቅይሩ እንተድኣ ደሊኹም ኣብቲ ናይ ወጻእተኛታት ቤትጽህፈት ከድኩም ከተማልእዎ ዘለኩም ነገራትን ሓበሬታን ርኽቡ።

ዋጋ ናይ ገዛ ኽራይ ክስዕ ክንደዩ ዝፍቀድ

ገና ሓገዝ ገንዘብ ተቀበልቲ እንተኾንኩም እቲ ብዓልመዝኹም ክትነግርዎን ከፍቅደልኩምን ኣለዎ።
ግፍሒ ናይቲ ገዛ ብቁጽሪ ናይቲ ስድራ ይውሰን። ክራይ ገዛ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ስለ ዝፈላለ ቅድሚ ውዕል ናይቲ ገዛ ምፍራምኩም ነቲ ብዓልመዝኹም ግፍሓቱን ክራዩን ክንደይ ምኻኑ ኣምልኪትኩም ንሱ ምስ ዘፍቅደልኩም ጥራህዩ ውዕል ናይቲ ገዛ ክትፍርሙ ዘለኩም።

ተውሳኺ ሕበሬታ

ኣንተድኣ ተፈቂድልኩም ክራይ ገዛ ብቀጥታ ዋና ገዛ ክሰዱሉ ወይ ከኣ ካብ ሕሳብ ናይ ባንክኹም ንኽኽፈል ተሰማምዑሉ። ኣይትረስዑዎ ናይ ኤለክትሪክ ካብቲ ዝወሃበኩም ሃገዝ ገንሀብዩ ዝኽፈል።
ኣብቲ ናይ መጀመርያ ገዛ ትሕዝሉ ግዜእቲ ገዛ ዝተማላኤ ኣቅሑት ናይ ገዛ ኣንተዘይብሉ ዘድልየኩም ኣቅሑት ብዝርዝር ጽሒፍኩም ነቲ ናየራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ኣመልክቱ። ሓገዝ ንኽትረኽቡ እተተፈቂድልኩም
ጥረ ገንዘብ ወይ ከኣ ኩፖን ክትወሃቡ ኢኹም።

ገዛ ከመይ ጌረየ ዝረክብ

ገዛ ምድላይ ብዙሕ ናትኩም ንጥፈታትን ትዕግስትን ክሓተኩምዩ። ቁጽሪ ዝካረ ገዛውቲ ውሑድ ስለዝኮነ ንስኻትኩምን ከማኹም ዝደልዩ ሰባትን ቁጽሮም ብዙሓ ስለዝኾኑ ነቲ ንዓኹም ዝበቅዕ ገዛ ንኽትረክቡ ነዊሕ ግዜ ክወስደልኩምዩ።

ዋናታት ገዛውቲ ነጻ ገዛ ምስ ዝህልዎም ኣብ ጋዘጣ ወይ ኣብ ኢንተርነት የውጽእዎ
ንምሳሌ

https://www.immobilienscout24.de/

https://www.ebay-kleinanzeigen.de/s-wohnung-mieten/c203

www.immonet.de

www.immowelt.de

www.ohne-Makler.net

ከምኡውን ገዛ ዘካርዩ ትካላት ስለዘለው ከድኩም ኣብተን ትካላት ተመዝገቡ ንሱውን ገዛ ተኺቡ ኣሎ ኢሉ ብፖስታ ክሕብረኩምዩ። ኣብዚውን ብዙሓት ዝተመዝገቡን ተጸበይትን ስለ ዘለው ግዜ ክወስደልኩዩ።
ነቲ ገዛ ንምርኣይ ምስቲ ትካል ቆጸራ ግበሩ ምሳኩም ታሴራኹምን እቲ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ኣትወስድሉ መረጋግጺ ተማልእዎ።
ተወሳኺ ሓቤረታ

ብኸመይ መንገዲ ናብ ካልእ ዞባን ከተማን ክቅይር ይኽእል

ኣብቲ ዝተመደብኩሞ ዞባ ኮነ ከተማ ደስ ዘይበለኩም እንተኾይኑ ደስ ዘይመሊኹም ብቁዕ ምኽንያት ኣንተለኩም ናብቲ ናይ ወጻእተኛታት ቤትጽሕፈት ከድኩም እቲ ናይ መቀመጢ ሕጊ ክልዓለልኩምን
ክትቅይሩ ከፍቅደልኩም ከተመልክቱ ኣለኩም። ንክትቅዩሩውን እተን ምምህዳር ዞታት ነንሕድሕደን ክሰማምዓ ኣለወን።

ካብቲ መቀየሪ ክከውን ዝኽእል ምኽንያታት
ስራሕ ብውሑዱ 20 ሰዓት ኣብ ሰሙን፣ ዩኒቨርስቲ፣ ናይሞያ ትምህርቲ፣ ናይ ሕክምና ሽግራትንዮም።